ሓሶት፡ መራሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ቢራ እናሰተዩ ዘርኢምስሊ ብምቅንባር ዝተሰርሐ ፎቶ እዩ

Thumbnail Image for a fact-checked article about Tigray Region Interim Administration


ብናኦል ኬኔ

ዝተብሃል

ብዙሓት ድህረ ገጻት ፌስቡክን ትዊተርን ሰበስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተኣኪቦም ቢራ እናሰተዩ ዘርኢ ምስሊ ተዘርጊሑ። ምስቲ ምስሊ ድማ “ትግራይ ናይ ክልተ ዓለም ሰባት። መራሕቲ ትግራይ ቢራ ይጭልጡ ተመዛበልቲ ድማ ብጥሜት ይሞቱ” ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ  እዩ።

ውሳነ

ሓሶት። እዚ ምስሊ ብምቅንባር ዝተሰርሐ ፎቶ እዩ። ኣብቲ ትኽክለኛ ፎቶ ዝኾነ ኣልኮላዊ መስተ የለን።


ብምርመራ ዝተረኸበ

ብዙሓት ድህረ ገጻት ፌስቡክን ትዊተርን  (እዚንእዚን ርኣዩ) ሰበስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተኣኪቦም ቢራ እናሰተዩ ዘርኢ ምስሊ ተዘርጊሑ።  “ትግራይ ናይ ክልተ ዓለም ሰባት። መራሕቲ ትግራይ ቢራ ይጭልጡ ተመዛበልቲ ድማ ብጥሜት ይሞቱ” ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ  ምስሊ እዩ። እቲ ስእሊ ሰበስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብሓባር ቢራ እናሰተዩ ዘርኢ እዩ። 


ምስሊ፡ እዚ ምስሊ ብቐጥታ (ስክሪን ሾት ) ካብ X (twitter) ዝተወስደ እዩ።

ምስሊ፡ ብቐጥታ (ስክሪን ሾት ) ካብ Facebook ዝተወስደ እዩ።

MFC ነቲ ምስሊ AI ወይ NOT ብምጥቃም እዩ መርሚርዎ።


ምስሊ፡ ስክሪን ሾት ካብ AI or Not ዝተወስደ እዩ።

ስለዚ  እዚ ኣብ ፎቶ ብምቅንባር ዝተሰርሐ ፎቶ እዩ። እዞም ኣመራርሓ ኣብታ ኮፍ ኢሎምላ ዝኒሀው ቦታ ካብ ማይን ለስላሳን ወፃኢ ቢራ ኣይነበረን። እቲ ኦሪጂናል ፎቶ ኣብ ከተማ ኣላማጣ ዝተቐድሐ እዩ። እታ ትኽክልኛ ፎቶ እታ ኣብ ታሕቲ ዘላ ስእሊእያ።


ምስሊ፡ ብፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ትሕቲ ኮማንድ ፖስት ምስ ዝፀንሐ ከባቢታት ህዝቢ ዞባ ደቡብ ንምምይያጥ 12 መጋቢት 2018 ዓ/ም ከተማ ኣላማጣ ኣትዮም። 

ድሕረባይታ

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ወጥሪ ኲናት ዳግም ናብ ዘተሓሳስብ ደረጃ የምርሕ ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ። ኣብ መንጎ ፌዴራል መንግስትን ክልል ትግራይን ዘሎ ወጥሪ እናዓበየ ብምምጽኡ፡ ኣብ መዋሰኒታት ትግራይ ዓቢ ናይ ሰራዊት ምዝውዋርን ምንቅስቓስን እናተራእየ ይርከብ። ኣብ መወዳእታ ጥሪ 2018 ኣብ ወረዳ ጸለምቲ (ምዕራብ ትግራይ ) ኣብ መንጎ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴራል፡ ሰራዊት ትግራይ፡ ከምኡውን ምሊሻታት ኣምሓራን ግጭታት ተራእዮም እዮም።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፣ መንግስቲ ፌደራል ባጀት ኣይሃበን ክብል ከሲሱ ኣሎ። ሰራሕተኛታት ቴሌቭዥን ትግራይ ‘ደሞዝ እንተዘይተኸፊልና ስራሕ ደው ነብሎ ኣለና’ ይብሉ ኣለው። ግዝያዊ ምምሕዳር ብወገኑ ሰራሕተኛ መንግስቲ ደመወዝ ንምኽፋል ይስራሕ ምህላዉ ገሊጹ። 


ምስሊ፡ ሰራሕተኛታት ክፍሊ ዜና ቴሌቪዥን ትግራይ “ደመወዝና ብቕልጡፍ እንተዘይተኸፊሉና ስራሕ ከነቋርፅ ኢና ” ዝብል መጠንቀቕታ ዝሓዘ ደብዳቤ ናብ ፕረዚዳንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ልኢኾም ኣለው።

መደምደምታ

ስለዚ እቲ ፎቶ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ሓቅነት ዘይብሉን ናይ ፈጠራ ምስሊ ብምዃኑ ሓሶት ተባሂሉ ኣሎ። AI ብዙሓት ዕዱላት ፀጋታትን ሒዙልና መፅዩ እንድዩ፣ ግን ድማ ዕዱል ተረኸብና ኢልና ንዝጠቅምን ንዘይጠቅምን ዕላማ ኣይነውዕሎ።

ቴክኖሎጂ ዝጠቅም ነገር ንምፍጣር ወይ ንምትላል ክውዕል ዝኽእል ዓብዪ ምሳርሒ እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብዚ ግዘ እዚ ብሉጽ ናይ ምፍጣር ዓቕሚ ዘልዎ AI ንሓሶት ንምፍጣር እውን ምሳርሒ ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቅድሚ ምዝርሖምን ንኻልኦት ቅድሚ ምክፋልን እሙናት ምንጭታት ተጠቒምካ ክቐርቡን ፣ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዘምጽእዎ ፅልዋ ብምርዳእ ሓላፍነት ብዘልዎ ምርግጋፅ የድሊ።

We at the MFC strive to verify misleading and false claims so that people get fact-based information and make an informed decision as well. In the process of our work, accuracy and transparency hold a central role. Therefore, if you see errors in our content, please write to us at info@multifactcheck.org so that our team will make corrections.

Share post on Social media

See related posts

ABOUT MFC

MultiFactCheck

(MFC) is an independent fact-checking organization which is launched to pin-point, track-down, scrutinize, investigate, interrogate, publish and distribute the factual accuracy of claims made by public figures. MFC’s project has geographical priorities. Our work mainly focuses on nations in the Horn of Africa and their diaspora community who reside abroad. We operates from various regions of Africa, Europe and North America. Through a multitude of professional proficiency, MFC deploys best practices of journalism, scholarship and expertise in order to flag, investigate and publish a fact.