ብናኦል ጌታቸው
ብህሎ
ሓደ ናይ ቲክቶክ ገጽ “ናይ ሻዕብያ ስራሕ ኣብ ትግራይ ዝገበሮ” ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ቪድዮ ኣካፊሉ ነይሩ። እቲ ብበምነት ሃብታሙ ዝተሰቐለ ጽሑፍ፡ ነቲ ተንቀሳቓሲ ስእሊ “ሰበር ዜና – ኣብ ኣስመራ ርእሰ ከተማ ኤርትራ ዝተሰምዐ ተኹሲ” ዝብል ስያመ ሂብዎ ኣሎ።
ውሳነ
ሓሶት። እቲ ቪድዮ ኣብ ትግራይ ይኹን ኣብ ኣስመራ ዝተፈጸሙ ፍጻሜታት ትገልጽ ኣይኮነትን። ኣብ ክንድኡስ፡ እቲ ዝሰቐለ ሰብ፡ ነቲ ካብ ጥቅምቲ 2010 ዝነበረ ኣረጊት ተንቀሳቓሲ ስእሊ ዳግማይ ዕላማ ብምግባር፡ ብዲጂታላዊ ሓሶት ንህዝቢ ንምድንጋር ገይሩዎ።
መርመራን ርኽበታትን
ብዕለት 12 ታሕሳስ 2018 Beemnet Habtamu ዝተባህለ ናይ ቲክቶክ ኣካውንት “ሰበር ዜና – ኣብ ርእሰ ከተማ ኤርትራ ኣስመራ ተኹሲ ተሰሚዑ” ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ተኹሲ ዝሓዘ ቪድዮ ኣካፊሉ ነይሩ። እቲ ቪድዮ እዚ ጽሑፍ ክሳብ ዝሕተም ልዕሊ 9700 ግብረ መልሲ፡ ልዕሊ 1400 ሼር፡ 410 ሽሕ ርእይቶታት ረኺቡ እዩ።

MFC ነቲ ቪድዮ ሓቅነቱ ንምርግጋጽ Fake News Debunker by InVID & We Verify ብምጥቃም መርሚርዎ እዩ። ኢንቪድ ካብቲ ቪድዮ ምስሊታት ወይ ኪፍሬምስ (keyframes) ኣቕሪቡ፤ ድሕሪኡ MFC ብመንገዲ ጉግል ሪቨርስ ኢሜጅ ሰርች መርሚሩዎ እዩ። እቲ ውጽኢት ምርመራ ከም ዘመላኽቶ፡ እቲ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዕለት 20 ጥቅምቲ 2010 (October 31, 2017) “Asmara battlefield between #Eritrea/n people and the Eritrean regime” ዝብል ጽሑፍ ቋንቋ እንግሊዝ ሒዙ ተዘርጊሑ ነይሩ እዩ።

ድሕረባይታ
ኣብ ምያዝያ 2010 ናብ ስልጣን ዝመጽአ ሓድሽ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ምስ ኤርትራ ዕርቅን ሰላምን ምግባር ሓደ ካብ ቀዳሞት ዕማማቱ ምዃኑ ኣበሲሩ። ኣብ ጥቅምቲ 2011 ኣቢይ ኣሕመድ ተዓዋቲ ሽልማት ኖበል 2019 ኰይኑ ተረቚሑን ተሸሊሙን። ካብ 3 ሕዳር 2012 ክሳዕ 3 ሕዳር 2024 መንግስቲ ፈደራልን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ናብ ኲናት ሓድሕድ ኣትዮም። እቲ ኣብ ትግራይ ጀሚሩ፡ ናብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ዝለሓመ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ዝተሻረኹሉ፡፡
ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ወጥሪ ኣዝዩ ላዕለዋይ ደረጃ በጺሑ ይርከብ። ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ግዜ ናይ ባዕላ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ኣፍደገ ክህልዋ ሕቶ ኣቕሪባ ነይራ። ካብ ጥቅምቲ 2016 ኣትሒዞም፡ ብዛዕባ ተጠቃምነት ባሕሪ ሕቶ ካብ ዘልዕሉ ንደሓር ድማ ዝምድናኦም ናብ ምብታኽ ገጹ ኣምሪሑ፡ ኣብ መንጎ እዘን ሃገራት ዳግማይ ግጭት ከይውላዕ ንብዙሓት የሻቅል ኣሎ።
ኤርትራ ነዚ ምንቅስቃስ እዚ ከም ስግኣት ልኡላውነት መሬታ ገይራ ትርእዮ። በዚ ምኽንያት ድማ፡ እቲ ዞባዊ ኩነታት ተኣፋፊ ኮይኑ ይርከብ።
መደምደምታ
ናይ 2010 ተንቀሳቃሲ ምስሊ ብምጥቃም፡ ብዛዕባ ናይ 2018 ፍጻሜታት ፍርሒ ይዘርእ ኣሎ። ስለዚ ብምኽንያት ናይ ሓሶት ቪዲዮ ምጥቃሙ MFC ነቲ ናይ ፌስቡክ ጥቃዕ ሓሶት ኢልዎ ኣሎ። ዝኾነ “Breaking News” ተባሂሉ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርጋሕ ቪድዮ ቅድሚ ምክፋልካ ወጽኢቱ ኣረጋግጽ።
