Search
Close this search box.

ኢትዮጵያ ብውሽጣዊ ፍርያት ንሞሮኮ በሊጻ 192 ቢልዮን ዶላር በጺሓ ድያ?

ብሓጎስ ገብረኣምላኽ

ብህሎ፡ ውሽጣዊ ፍርያት ሃገር ኢትዮጵያ 192 ቢልዮን ዶላር በጺሑ፡ ንሞሮኮ በሊጹ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ሓምሻይ ዝዓበየ ቁጠባ ኮይና።

ውሳነ፡ እቲ ሓበሬታ ብኸፊል ሓቂ እዩ።

ውሽጣዊ ፍርያት ኢትዮጵያ 192 ቢልዮን ዶላር ከምዝበጽሐትን ብመንጽር ውሽጣዊ ፍርያት ሃገር ንሞሮኮ ከምዝሓለፈትን ዘመልክት ሓበሬታ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ ነይሩ። ብኻልእ ወገን ድማ ውሽጣዊ ፍርያት ኢትዮጵያ 192 ቢልዮን ዶላር በጺሑ ዝብል ኣበሃህላ ሓሶትን ኣብ ዝተፈብረኸ መረዳእታ ዝተመርኮሰን ምዃኑ ዝገልጽ ክስታት ተዘርጊሑ ነይሩ እዩ።

‘ኮንፍሊክት ዞን’ ብዝብል ሽም ዝተዘርግሐ ልዕሊ 66 ሽሕ ሰዓብቲ ዘለውዎ ናይ ትዊተር ኣካውንት ኢትዮጵያ ንሞሮኮ በሊጻ ናብተን ቀዳሞት ሓሙሽተ ዝዓበያ ቁጠባታት ኣፍሪቃ ከምዝኣተወት ይሕብር። እዚ ናይ ትዊተር ጽሑፍ ልዕሊ 200 ግዜ ዝተዘግሐ ኮይኑ፡ ልዕሊ 83 ሽሕ ተጠቀምቲ ተዓዚቦምዎ እዮም።

ብዙሓት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሑ ጽሑፋት፡ ውሽጣዊ ፍርያት ኢትዮጵያ 192 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ከምዝበጽሐን፡ ንሞሮኮ ብምብዳህ ኣብ ኣፍሪቃ ብዓቢ ቁጠባ ኣብ ሓምሻይ ደረጃ ከምዝኾነትን ሓቢሮም ኔሮም። እዞም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝቐረቡ ጽሑፋት፡ 3.6 ሚልዮን ተኸታተልቲ ዘለዉዎ ‘ወርልድ ስታቲስቲክስ’ ዝብል ሽም ዘለዎ ናይ ትዊተር ኣካውንት፡ ደረጃ ውሽጣዊ ፍርያት ሃገራት ኣፍሪቃ ዘርኢ ጽሑፍ ድሕሪ ምልጣፉ እዩ (ደረጃ ናይተን ሃገራት ኣብ ታሕቲ ይመልከቱ)።

ብመሰረት እቲ ኣብ ትዊተር ዝተዘርግሐ ጽሑፍ፡ ኢትዮጵያ 192 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ውሽጣዊ ፍርያት ብምሓዝ ኣብ ኣፍሪቃ ቁጽሪ ሓሙሽተ ዝዓበየት ቁጠባ ኮይና ክትቀርብ ከላ፡ ሞሮኮ ድማ 157 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ውሽጣዊ ፍርያት ብምሓዝ ኣብ ሻድሻይ ደረጃ ተሰሪዓ ኣላ። እቲ ኣብ ትዊተር ዝተጻሕፈ ጽሑፍ፡ ኣስታት ሓደ ሚልዮንን ፈረቓን ግዜ ዝተራእየ ኮይኑ፡ ኣስታት ክልተ ሽሕ ግዜ ድማ ተዘርጊሑ እዩ።

ባኻልእ ወገን ድማ፡ ውሽጣዊ ፍርያት ኢትዮጵያ ንሞሮኮ 192 ቢልዮን ዶላር በጺሑ ዝብል ኣበሃህላ ሓሶትን ኣብ ዝተፈብረኸ መረዳእታ ዝተመርኮሰን ምዃኑ ዝገልጹ ተጻረርቲ ሓበሬታታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተቓሊሖም እዮም።

ንኣብነት ሓደ ናይ ትዊተር ኣካውንት ነቲ ኣበሃህላ ኣብ ሕቶ ዘእተወ ጽሑፍ ኣካፊሉ፡ “ኢትዮጵያ መወዳእታ ዘይብሉ ኲናት ሓድሕድ ኣለዋ፡ ኣብ 2020 ውሽጣዊ ፍርያት ኢትዮጵያ 100 ቢልዮን ዶላር ነይሩ፡ ሕጂ 192 ቢልዮን ዶላር በጺሑ? እዚ ቁጠባ ኢትዮጵያ ብኸመይ ዓይነት መንኮርኰር ይሕምበብ ኣሎ?” ብምባል እቲ ሓበሬታ ሓሶት ከምዝኾነ የመላኽት። እዚ ናይ ትዊተር ጽሑፍ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ግዜ ተራእዩ እዩ።

መልቲ ፋክትቼክ ነቲ ብህሎ መርሚሩዎ ኣሎ። ካብ ከም ኣይ ኤም ኤፍን ባንኪ ዓለምን ዝኣመሰሉ ተኣማንነት ዘለዎም ኣህጉራውያን ፋይናንሳዊ ትካላት ዝረኸብናዮ እዋናዊ መረዳእታ ርኢና ኢና። እዘን ክልተ ትካላት ብዛዕባ ውሽጣዊ ፍርያት ሃገር ሃገራት ዝምልከት መረዳእታ ኣብ እዋኑ ይዝርግሓ እየን።

ብመሰረት ጸብጻብ ኣይ ኤም ኤፍ (ኣብ ጥቅምቲ 2023 ወርልድ ኢኮኖሚክ ኣውትሌት ብዝብል ኣርእስቲ ዝተሓትመ ጸብጻብ) ኣብ ዓመት 2024 ውሽጣዊ ፍርያት ኢትዮጵያ 192 ቢልዮን ዶላር፡ ከምኡ’ውን ውሽጣዊ ፍርያት ሞሮኮ 157.4 ቢልዮን ዶላር ነይሩ። ብተመሳሳሊ መረዳእታ ኣብ 2023 ውሽጣዊ ፍርያትኢትዮጵያ 155.8 ቢልዮን ዶላር ክኸውን እንከሎ ውሽጣዊ ፍርያት ሞሮኮ ድማ 147.3 ቢልዮን ዶላር እዩ። ኣብ 2023 ኢትዮጵያ ብመንፅር ውሽጣዊ ፍርያት ሃገር ንሞሮኮ ንመጀመርታ ግዜ ዝሰገረትሉ ዓመት ከምዝነበረ እቲ ጸብጻብ ኣይ ኤም ኤፍ የመልክት።

ባንኪ ዓለም ብዛዕባ ውሽጣዊ ፍርያት ኢትዮጵያን ሞሮኮን ዝሃቦ ዳሕረዋይ መረዳእታ ናይ ዓመተ 2022 እዩ። ብመሰረት ጸብጻብ ባንኪ ዓለም፡ ውሽጣዊ ፍርያት ሞሮኮ ኣብ 2022፡ 130.9 ቢልዮን ዶላር ክኸውን ከሎ፡ ናይ ኢትዮጵያ ድማ 126.8 ቢልዮን ዶላር ነይሩ።

ስለዚ ብመሰረት ዳሕረዋይ መረዳእታ ኣይ ኤም ኤፍ ኣብ 2024 ውሽጣዊ ፍርያት ኢትዮጵያ 192 ቢልዮን ዶላር፣ ናይ ሞሮኮ ድማ 157.4 ቢልዮን ዶላር እዩ። ስለዝኾነ ውሽጣዊ ፍርያት ኢትዮጵያ ካብ ሞሮኮ ዝዓቢ ብምዃኑ፡ ኢትዮጵያ ድሕሪ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ናይጀርያ፣ ግብጺ፣ ኣልጀርያ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ 5ይ ደረጃ ተሰሪዓ ኣላ።

ይኹን’ምበር ኢትዮጵያ ብውሽጣዊ ፍርያት ንሞሮኮ ዝበለጸትሉ ዓመት 2024 ኣይኮነን፤ ኢትዮጵያ ኦሮማይ ካብ 2023 ጀሚራ ብውሽጣዊ ፍርያት ንሞሮኮ በሊታ እያ።

ስለዚ፡ እቲ ሓበሬታ ብኸፊል ሓቂ ተባሂሉ ኣሎ።

We at the MFC strive to verify misleading and false claims so that people get fact-based information and make an informed decision as well. In the process of our work, accuracy and transparency hold a central role. Therefore, if you see errors in our content, please write to us at [email protected] so that our team will make corrections.

Share post on Social media

See related posts

አንድ የX አካውንት “በኢትዮጵያ የዘር ማጥፋት እየተካሄደ ነው” የሚል ትርጉም ካለው የእንግሊዘኛ ፅሁፍ ጋር በማያያዝ
አንድ ቪዲዮ በዕለቱ የነበረን “የፋኖ ኦፕሬሽን” እንደሚያሳይ ተደርጎ በX ማህበራዊ የትስስር መድረክ ተሰራጭቷል። የተጠቀሰው መረጃ

ABOUT MFC

MultiFactCheck

(MFC) is an independent fact-checking organization which is launched to pin-point, track-down, scrutinize, investigate, interrogate, publish and distribute the factual accuracy of claims made by public figures. MFC’s project has geographical priorities. Our work mainly focuses on nations in the Horn of Africa and their diaspora community who reside abroad. We operates from various regions of Africa, Europe and North America. Through a multitude of professional proficiency, MFC deploys best practices of journalism, scholarship and expertise in order to flag, investigate and publish a fact.

Follow Us