Search
Close this search box.

ሰራዊት ኢትዮጵያ መዳፍዕ ተኲሱ ባርዕ ጫካ ኣስዒቡ ንምባል ዝተሓትሙ ስእሊታት ናይ ብኸፊል ሓሶት እዮም

ብሓጎስ ገብረኣምላኽ

ብህሎ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሃረርጌ ናብ ዝርከብ ጫካ መዳፍዕ ብምትኳሱ፡ እቲ ጫካ ክቃጸል ከምዝገበሮ፡ ሓደ ቴሌግራም ቻነል ከሲሱ።

ውሳነ፡ እቲ ክሲ ክልተ ግዜኦም ዝሓለፉ ምስልታት ስለ ዝተጠቕመ ብኸፊል ሓሶት ተባሂሉ ኣሎ።

ኩሽ ሚድያ ኔትዎርክ ኣተባህለ ቻነል ቴሌግራም ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ሃረርጌ ናብ ዝርከብ ጫካ መዳፍዕ ብምትኳስ እቲ ጫካ ከም ዝቓፀለ ዝገልፁ ሰለስተ ምስልታት ኣካፊሉ ኔሩ። እቲ ቴሌግራም ቻነል 12 ሽሕ ተኸታተልቲ ዘለዎ ኮይኑ፡ እቲ ጽሑፍ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተጠቀምቲ ተዓዚቦም እዮም።

እቲ ናይ ቴሌግራም ሕታም ብቋንቋ ኦሮሞ “እዚ ኣብ ዞባ ምዕራብ ሃረርጌ ዝርከብ ገዳም ኣሰቦት እዩ። እቲ ጫካ ብሰንኪ እቲ ብብልጽግና ዝተተኮሰ ከቢድ ኣጽዋር ይቃጸል ኣሎ።” ብኣምሓርኛን ድማ “ሓበሬታ፡ ፋሽሽታዊ ብልጽግና [ሰልፊ] ኣብ ዞባ ምዕራብ ሃራርጌ ኣብ ኣሰቦት ብከቢድ ኣጽዋር ዝተሓገዘ ደብዳብ ስለዘካየደ እቲ ጫካ ክቃጸል ጀሚሩ ኣሎ። ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ጫካ ብምዕናው ኣይስዓርን እዩ።” ዝብል እዩ።

ስእሊ 1፡ ነቲ ዝተባህለ ምንዳድ ጫካ የርእዩ እዮም ተባሂሎም ዝተዘርግሑ ስእሊታት።

ይኹን እምበር ካብተን ሰለስተ ነቲ ኣበሃህላ ንምድጋፍ ዝተጠቐሙ ምስልታት እቶም ክልተ ግዜኦም ዝሓለፎምን ናይ ሓሶትን እዮም። እቲ ካልኣይን ሳልሳይን ስእልታት ቅድሚ ዓመታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከምዝተዘርግሐ ተረጋጊጹ ኣሎ።

እቲ ካልኣይ ስእሊ ብ26 መጋቢት 2021 ኣብ ፌስቡክ ዝተዘርግሐ ኮይኑ፡ ‘ገላና ጋሮምሳ’ ብዝተባህለ ህቡብ ናይ ኦሮሞ ሙዚቀኛ ናይ ፌስቡክ ኣካውንት ምስ ካልኦት ኣርባዕተ ምስልታት ኣብ ክልል ኦሮምያ ምዕራብ ሸዋ ወረዳ ጅባት ባርዕ ጫካ የርኢ እዩ ዝብሉ ሓበሬታ ኣለዎ።

ኣብ ፌስቡክ ልዕሊ 986 ሽሕ ተኸታተልቲ ዘለውዎ ገላና፡ “እቲ ዝነድድ ዘሎ ጫካ ኣብ ዝተወለድኩሉ ቦታ ዝርከብ ጫካ ጅባት ይበሃል” (ኣብ ታሕቲ ካብዘለዉ ስእሊታት፡ ኣብ ታሕቲ-ጸጋም ዘሎ ምስሊ ርአ) ክብል ጽሒፉ።

ስእሊ 2፡ ገላና ምንዳድ ጫካ ጅባት የርእዩ እዮም ኢሎ ቅድሚ 3 ዓመታት ዝዘርገሖም።

ብተመሳሳሊ እቲ ሳልሳይ ምስሊ ብ22 መጋቢት 2021 40 ሽሕ ተኸተልቲ ብዘለውዎ ዋናው ሚድያ ዝተባህለ ገፅ ኣብ ፌስቡክ ምስ ካልኦት ምስልታት ዝተዘርግሐ ኮይኑ፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ምዕራብ ሃረርጌ ኣብ ከባቢ ገዳም ኣስቦት ባርዕ ሓዊ ከምዘጋጠመ ዝገልጽ ጽሑፍ ኣለዎ።

ስእሊ፡ 3፡ ዋናው ሚድያ ምስልታት ምንዳድ ጫካ እዮም ኢሉ ዝዘርገሖም።

ይኹን እምበር፡ ሓቅነት ናይቲ ቀዳማይ ምስሊ ክረጋገጽ ስለዘይከኣለ፡ መልቲፋክትቼክ እቲ ስእሊ ነቲ ዝተብሃለ ሓበሬታ ይድግፍ ድዩ ኣይድግፍን ከረጋግጽ ኣይከኣለን።

ስለዚ መልቲፋክትቼክ ክልተ ግዜኦም ዝሓለፎምን ናይ ሓሶትን ስእሊታት ብምሕዋሱ ነቲ ክሲ ብኸፊል ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

ዓውዲ

ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ክሳብ 2018 ዓ.ም. ኣካል ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ግሓኦ) እዩ ኔሩ።

እዚ ሓበሬታ ኣብ ማኣሕበራዊ ሚድያ ዝተጋወሐ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ዕጥቃዊ ግጭት ይካየደሉ ኣብ ዘሎ እዋን እዩ። ነቲ ግጭት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ፡ ኣብ መንጎ መንግስትን ሰሓኦን ዘተ ክግበር ፀኒሑ እዩ።

ኣብ ሚያዝያ/ግንቦት 2023 ኣብ ታንዛንያ ከተማ ዛንዚባር ብሽምግልና ኬንያን ኖርወይን ዝርርብ ሰላም ተኻይዱ ኔሩ እዩ። ቀዳማይ ዙርያ ዝርርብ ብዘይስምምዕ እኳ እንተተዛዘመ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣወንታዊ ስጉምቲ ከምዘሎን ኣብ ገለ ጉዳያት ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእ ከምዝበጽሑን ሓቢሮም ኔሮም።

ካልኣይ ዙርያ ዝርርብ ብምትሕብባር ብኣሜሪካ፣ ኢጋድ፣ ኖርወይን ኬንያን ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዳሬስ ሰላም ታንዛንያ ተኻይዱ፡ ወከልቲ መንግስትን መሪሕነት ሰሓኦን ተሳቲፎም ኔሮም። ግናኸ እቲ ዝርርብ ኣብ ሕዳር ብዘይ ስምምዕ ተዛዚሙ እዩ።

We at the MFC strive to verify misleading and false claims so that people get fact-based information and make an informed decision as well. In the process of our work, accuracy and transparency hold a central role. Therefore, if you see errors in our content, please write to us at [email protected] so that our team will make corrections.

Share post on Social media

See related posts

አንድ የX አካውንት “በኢትዮጵያ የዘር ማጥፋት እየተካሄደ ነው” የሚል ትርጉም ካለው የእንግሊዘኛ ፅሁፍ ጋር በማያያዝ
አንድ ቪዲዮ በዕለቱ የነበረን “የፋኖ ኦፕሬሽን” እንደሚያሳይ ተደርጎ በX ማህበራዊ የትስስር መድረክ ተሰራጭቷል። የተጠቀሰው መረጃ

ABOUT MFC

MultiFactCheck

(MFC) is an independent fact-checking organization which is launched to pin-point, track-down, scrutinize, investigate, interrogate, publish and distribute the factual accuracy of claims made by public figures. MFC’s project has geographical priorities. Our work mainly focuses on nations in the Horn of Africa and their diaspora community who reside abroad. We operates from various regions of Africa, Europe and North America. Through a multitude of professional proficiency, MFC deploys best practices of journalism, scholarship and expertise in order to flag, investigate and publish a fact.

Follow Us