Search
Close this search box.

እዚ ዝዓነወ ሕርሻ ፓፓዮ ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ትግራይ ኣይኮነን

ብናኦል ጌታቸው

ብህሎ: ሓደ ናይ ፌስቡክ ገጽ “ናይ ሻዕብያ ስራሕ ኣብ ትግራይ ዝገበሮ” ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ቪድዮ ኣካፊሉ ነይሩ።

ውሳነ: ሓሶት። እቲ ቪድዮ ኣብ ትግራይ ኣይኮነን።

ብዕለት 24 ግንቦት 2016 ሓበሻ ሓበሻ (Habesha Habesha) ዝተባህለ ናይ ፌስቡክ ኣካውንት “ናይ ሻዕብያ ስራሕ ኣብ ትግራይ ዝገበሮ” ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ዝዓነወ ሕርሻ ፓፓዮ ዝሓዘ ቪድዮ ኣካፊሉ ነይሩ። እቲ ቪድዮ እዚ ጽሑፍ ክሳብ ዝሕተም ልዕሊ 970 ግብረ መልሲ፡ ልዕሊ 1000 ሼር፡ 286 ሽሕ ርእይቶታት ረኺቡ እዩ።

ይኹን እምበር እቲ ቪድዮ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ተግባር ኣየርእን።

MFC ነቲ ቪድዮ ሓቅነቱ ንምርግጋጽ Fake News Debunker by InVID & We Verify ብምጥቃም መርሚርዎ እዩ። ኢንቪድ ካብቲ ቪድዮ ምስሊታት ወይ ኪፍሬምስ (keyframes) ኣቕሪቡ፤ ድሕሪኡ MFC ብመንገዲ ጉግል ሪቨርስ ኢሜጅ ሰርች መርሚሩዎ እዩ።

(ምስሊ፡ ስክሪንሾት ካብ ኢንቪድ ኪፍሬምስ ዝተወስደ)

እቲ ውጽኢት ምርመራ ከም ዘመላኽቶ፡ እቲ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት “ህቦብላ ንፋስ 99% ዝራእቲ ፓፓዮ ኣጥፊኡ” ዝብል ጽሑፍ ሂንዲ ሒዙ ተዘርጊሑ ነይሩ እዩ።

ይኹን እምበር እቲ ቪድዮ ብሓቂ ካብ ታሚል ናዱ ህንዲ እዩ።

ነዚ ስእልታት ተጠቒሞም ታይምስ ናውን (TIMES NOW) ኒውዝ18 ኢንድያን (News18 India) ዝተባህላ ክልተ ጋዜጣታት ህንዲ ኣብ ታሚል ናዱ ብሰንኪ ብርቱዕ ንፋስ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣግራብ ፓፓዮ ከምዝተሃስዩ ጸብጺቦም እዮም። ታሚል ናዱ ኣብ ጫፍ ደቡብ ህንዲ እትርከብ ግዝኣት እያ። ታሚል ናዱ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ብርቱዕ ዝናብ ክዘንብ ጸኒሑ እዩ።

(ምሰሊ፡ ስክሪንሾት ካብ News18 India ፌስቡክ ገጽ ዝተወስደ)

(ምሰል፡ ስክሪንሾት ካብ TIMES NOW ፌስቡክ ገጽ ዝተወስደ)

ስለዚ ብምኽንያት ናይ ሓሶት ቪዲዮ ምጥቃሙ MFC ነቲ ናይ ፌስቡክ ጥቃዕ ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

ድሕረባይታ

ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ትግራይን (ህወሓት) ውግእ ኲናት ነይሩ። መንግስቲ ኤርትራ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብምድጋፍ ናብቲ ኲናት ኣትዩ ኔሩ።

መንግስቲ ኤርትራ (ኣብ ኢትዮጵያ ብተለምዶ ሻዓብያ ብዝብል ይጽዋዕ እዩ) ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት፡ ካብ ፍርዲ ወጻኢ ቅትለት፡ ዓመጽ፡ ስቅያት ሓዊሱ ግፍዕታት ፈጺሞም ተባሂሎም ተኸሲሶም ነይሮም እዮም። ብዙሓት ተዓዘብቲ ተሳትፎ ሓይልታት ኤርትራ ኣብቲ ኲናት ነቲ ኩነታት ዝያዳ ዝተሓላለኸን ንምፍትሑ ዝያዳ ኣጸጋሚ ገይርዎ ነይሩ ይብሉ።

ኣብ መጋቢት 2022 ተኹሲ ምቁራጽ ተኣዊጁ እኳ እንተነበረ፡ እቲ ግጭት ምሉእ ብምሉእ ኣይተፈትሐን ነይሩ። ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ነይሮም እዮም። እቲ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ብህሎ እምበኣር ኣብቲ ህሞት ንሱ እዩ ተዘርጊሑ።

(ብሓጎስ ገብረኣምላኽ ዝተኣረመ)

We at the MFC strive to verify misleading and false claims so that people get fact-based information and make an informed decision as well. In the process of our work, accuracy and transparency hold a central role. Therefore, if you see errors in our content, please write to us at [email protected] so that our team will make corrections.

Share post on Social media

See related posts

ጎንደር ላይ ፋኖን የሚቃወም ሰልፍ እንደተደረ የሚገልጽ ጽሁፍ ከቪዲዮ መረጃ ጋር በ “X” ማህበራዊ ሚዲያ

ABOUT MFC

MultiFactCheck

(MFC) is an independent fact-checking organization which is launched to pin-point, track-down, scrutinize, investigate, interrogate, publish and distribute the factual accuracy of claims made by public figures. MFC’s project has geographical priorities. Our work mainly focuses on nations in the Horn of Africa and their diaspora community who reside abroad. We operates from various regions of Africa, Europe and North America. Through a multitude of professional proficiency, MFC deploys best practices of journalism, scholarship and expertise in order to flag, investigate and publish a fact.

Follow Us