Tigrinya Archives - MultiFactCheck https://multifactcheck.org/tag/tigrinya/ Shed Light on the Truth. Mon, 02 Sep 2024 15:27:16 +0000 en-US hourly 1 https://wordpress.org/?v=6.7.1 https://multifactcheck.org/wp-content/uploads/2021/07/cropped-multifactcheck-1-150x150.jpeg Tigrinya Archives - MultiFactCheck https://multifactcheck.org/tag/tigrinya/ 32 32 እዚ ዝዓነወ ሕርሻ ፓፓዮ ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ትግራይ ኣይኮነን https://multifactcheck.org/%e1%8a%a5%e1%8b%9a-%e1%8b%9d%e1%8b%93%e1%8a%90%e1%8b%88-%e1%88%95%e1%88%ad%e1%88%bb-%e1%8d%93%e1%8d%93%e1%8b%ae-%e1%8b%98%e1%88%ad%e1%8a%a2-%e1%89%aa%e1%8b%b5%e1%8b%ae-%e1%8a%a3%e1%89%a5-%e1%89%b5/ Mon, 10 Jun 2024 15:44:56 +0000 https://multifactcheck.org/?p=8130 ሓደ ናይ ፌስቡክ ገጽ "ናይ ሻዕብያ ስራሕ ኣብ ትግራይ ዝገበሮ" ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ቪድዮ ኣካፊሉ ነይሩ። ሓሶት። እቲ ቪድዮ ኣብ ትግራይ ኣይኮነን።

The post እዚ ዝዓነወ ሕርሻ ፓፓዮ ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ትግራይ ኣይኮነን appeared first on MultiFactCheck.

]]>
ብናኦል ጌታቸው

ብህሎ: ሓደ ናይ ፌስቡክ ገጽ “ናይ ሻዕብያ ስራሕ ኣብ ትግራይ ዝገበሮ” ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ቪድዮ ኣካፊሉ ነይሩ።

ውሳነ: ሓሶት። እቲ ቪድዮ ኣብ ትግራይ ኣይኮነን።

ብዕለት 24 ግንቦት 2016 ሓበሻ ሓበሻ (Habesha Habesha) ዝተባህለ ናይ ፌስቡክ ኣካውንት “ናይ ሻዕብያ ስራሕ ኣብ ትግራይ ዝገበሮ” ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ዝዓነወ ሕርሻ ፓፓዮ ዝሓዘ ቪድዮ ኣካፊሉ ነይሩ። እቲ ቪድዮ እዚ ጽሑፍ ክሳብ ዝሕተም ልዕሊ 970 ግብረ መልሲ፡ ልዕሊ 1000 ሼር፡ 286 ሽሕ ርእይቶታት ረኺቡ እዩ።

ይኹን እምበር እቲ ቪድዮ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ተግባር ኣየርእን።

MFC ነቲ ቪድዮ ሓቅነቱ ንምርግጋጽ Fake News Debunker by InVID & We Verify ብምጥቃም መርሚርዎ እዩ። ኢንቪድ ካብቲ ቪድዮ ምስሊታት ወይ ኪፍሬምስ (keyframes) ኣቕሪቡ፤ ድሕሪኡ MFC ብመንገዲ ጉግል ሪቨርስ ኢሜጅ ሰርች መርሚሩዎ እዩ።

(ምስሊ፡ ስክሪንሾት ካብ ኢንቪድ ኪፍሬምስ ዝተወስደ)

እቲ ውጽኢት ምርመራ ከም ዘመላኽቶ፡ እቲ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት “ህቦብላ ንፋስ 99% ዝራእቲ ፓፓዮ ኣጥፊኡ” ዝብል ጽሑፍ ሂንዲ ሒዙ ተዘርጊሑ ነይሩ እዩ።

ይኹን እምበር እቲ ቪድዮ ብሓቂ ካብ ታሚል ናዱ ህንዲ እዩ።

ነዚ ስእልታት ተጠቒሞም ታይምስ ናውን (TIMES NOW) ኒውዝ18 ኢንድያን (News18 India) ዝተባህላ ክልተ ጋዜጣታት ህንዲ ኣብ ታሚል ናዱ ብሰንኪ ብርቱዕ ንፋስ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣግራብ ፓፓዮ ከምዝተሃስዩ ጸብጺቦም እዮም። ታሚል ናዱ ኣብ ጫፍ ደቡብ ህንዲ እትርከብ ግዝኣት እያ። ታሚል ናዱ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ብርቱዕ ዝናብ ክዘንብ ጸኒሑ እዩ።

(ምሰሊ፡ ስክሪንሾት ካብ News18 India ፌስቡክ ገጽ ዝተወስደ)

(ምሰል፡ ስክሪንሾት ካብ TIMES NOW ፌስቡክ ገጽ ዝተወስደ)

ስለዚ ብምኽንያት ናይ ሓሶት ቪዲዮ ምጥቃሙ MFC ነቲ ናይ ፌስቡክ ጥቃዕ ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

ድሕረባይታ

ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ትግራይን (ህወሓት) ውግእ ኲናት ነይሩ። መንግስቲ ኤርትራ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብምድጋፍ ናብቲ ኲናት ኣትዩ ኔሩ።

መንግስቲ ኤርትራ (ኣብ ኢትዮጵያ ብተለምዶ ሻዓብያ ብዝብል ይጽዋዕ እዩ) ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት፡ ካብ ፍርዲ ወጻኢ ቅትለት፡ ዓመጽ፡ ስቅያት ሓዊሱ ግፍዕታት ፈጺሞም ተባሂሎም ተኸሲሶም ነይሮም እዮም። ብዙሓት ተዓዘብቲ ተሳትፎ ሓይልታት ኤርትራ ኣብቲ ኲናት ነቲ ኩነታት ዝያዳ ዝተሓላለኸን ንምፍትሑ ዝያዳ ኣጸጋሚ ገይርዎ ነይሩ ይብሉ።

ኣብ መጋቢት 2022 ተኹሲ ምቁራጽ ተኣዊጁ እኳ እንተነበረ፡ እቲ ግጭት ምሉእ ብምሉእ ኣይተፈትሐን ነይሩ። ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ነይሮም እዮም። እቲ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ብህሎ እምበኣር ኣብቲ ህሞት ንሱ እዩ ተዘርጊሑ።

(ብሓጎስ ገብረኣምላኽ ዝተኣረመ)

The post እዚ ዝዓነወ ሕርሻ ፓፓዮ ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ትግራይ ኣይኮነን appeared first on MultiFactCheck.

]]>
ሰራዊት ኢትዮጵያ መዳፍዕ ተኲሱ ባርዕ ጫካ ኣስዒቡ ንምባል ዝተሓትሙ ስእሊታት ናይ ብኸፊል ሓሶት እዮም https://multifactcheck.org/%e1%88%b0%e1%88%ab%e1%8b%8a%e1%89%b5-%e1%8a%a2%e1%89%b5%e1%8b%ae%e1%8c%b5%e1%8b%ab-%e1%88%98%e1%8b%b3%e1%8d%8d%e1%8b%95-%e1%89%b0%e1%8a%b2%e1%88%b1-%e1%89%a3%e1%88%ad%e1%8b%95-%e1%8c%ab%e1%8a%ab/ Fri, 22 Mar 2024 09:51:28 +0000 https://multifactcheck.org/?p=7916 ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሃረርጌ ናብ ዝርከብ ጫካ መዳፍዕ ብምትኳሱ፡ እቲ ጫካ ክቃጸል ከምዝገበሮ፡ ሓደ ቴሌግራም ቻነል ከሲሱ። እቲ ክሲ ክልተ ግዜኦም ዝሓለፉ ምስልታት ስለ ዝተጠቕመ ብኸፊል ሓሶት ተባሂሉ ኣሎ።

The post ሰራዊት ኢትዮጵያ መዳፍዕ ተኲሱ ባርዕ ጫካ ኣስዒቡ ንምባል ዝተሓትሙ ስእሊታት ናይ ብኸፊል ሓሶት እዮም appeared first on MultiFactCheck.

]]>
ብሓጎስ ገብረኣምላኽ

ብህሎ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሃረርጌ ናብ ዝርከብ ጫካ መዳፍዕ ብምትኳሱ፡ እቲ ጫካ ክቃጸል ከምዝገበሮ፡ ሓደ ቴሌግራም ቻነል ከሲሱ።

ውሳነ፡ እቲ ክሲ ክልተ ግዜኦም ዝሓለፉ ምስልታት ስለ ዝተጠቕመ ብኸፊል ሓሶት ተባሂሉ ኣሎ።

ኩሽ ሚድያ ኔትዎርክ ኣተባህለ ቻነል ቴሌግራም ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ሃረርጌ ናብ ዝርከብ ጫካ መዳፍዕ ብምትኳስ እቲ ጫካ ከም ዝቓፀለ ዝገልፁ ሰለስተ ምስልታት ኣካፊሉ ኔሩ። እቲ ቴሌግራም ቻነል 12 ሽሕ ተኸታተልቲ ዘለዎ ኮይኑ፡ እቲ ጽሑፍ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተጠቀምቲ ተዓዚቦም እዮም።

እቲ ናይ ቴሌግራም ሕታም ብቋንቋ ኦሮሞ “እዚ ኣብ ዞባ ምዕራብ ሃረርጌ ዝርከብ ገዳም ኣሰቦት እዩ። እቲ ጫካ ብሰንኪ እቲ ብብልጽግና ዝተተኮሰ ከቢድ ኣጽዋር ይቃጸል ኣሎ።” ብኣምሓርኛን ድማ “ሓበሬታ፡ ፋሽሽታዊ ብልጽግና [ሰልፊ] ኣብ ዞባ ምዕራብ ሃራርጌ ኣብ ኣሰቦት ብከቢድ ኣጽዋር ዝተሓገዘ ደብዳብ ስለዘካየደ እቲ ጫካ ክቃጸል ጀሚሩ ኣሎ። ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ጫካ ብምዕናው ኣይስዓርን እዩ።” ዝብል እዩ።

ስእሊ 1፡ ነቲ ዝተባህለ ምንዳድ ጫካ የርእዩ እዮም ተባሂሎም ዝተዘርግሑ ስእሊታት።

ይኹን እምበር ካብተን ሰለስተ ነቲ ኣበሃህላ ንምድጋፍ ዝተጠቐሙ ምስልታት እቶም ክልተ ግዜኦም ዝሓለፎምን ናይ ሓሶትን እዮም። እቲ ካልኣይን ሳልሳይን ስእልታት ቅድሚ ዓመታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከምዝተዘርግሐ ተረጋጊጹ ኣሎ።

እቲ ካልኣይ ስእሊ ብ26 መጋቢት 2021 ኣብ ፌስቡክ ዝተዘርግሐ ኮይኑ፡ ‘ገላና ጋሮምሳ’ ብዝተባህለ ህቡብ ናይ ኦሮሞ ሙዚቀኛ ናይ ፌስቡክ ኣካውንት ምስ ካልኦት ኣርባዕተ ምስልታት ኣብ ክልል ኦሮምያ ምዕራብ ሸዋ ወረዳ ጅባት ባርዕ ጫካ የርኢ እዩ ዝብሉ ሓበሬታ ኣለዎ።

ኣብ ፌስቡክ ልዕሊ 986 ሽሕ ተኸታተልቲ ዘለውዎ ገላና፡ “እቲ ዝነድድ ዘሎ ጫካ ኣብ ዝተወለድኩሉ ቦታ ዝርከብ ጫካ ጅባት ይበሃል” (ኣብ ታሕቲ ካብዘለዉ ስእሊታት፡ ኣብ ታሕቲ-ጸጋም ዘሎ ምስሊ ርአ) ክብል ጽሒፉ።

ስእሊ 2፡ ገላና ምንዳድ ጫካ ጅባት የርእዩ እዮም ኢሎ ቅድሚ 3 ዓመታት ዝዘርገሖም።

ብተመሳሳሊ እቲ ሳልሳይ ምስሊ ብ22 መጋቢት 2021 40 ሽሕ ተኸተልቲ ብዘለውዎ ዋናው ሚድያ ዝተባህለ ገፅ ኣብ ፌስቡክ ምስ ካልኦት ምስልታት ዝተዘርግሐ ኮይኑ፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ምዕራብ ሃረርጌ ኣብ ከባቢ ገዳም ኣስቦት ባርዕ ሓዊ ከምዘጋጠመ ዝገልጽ ጽሑፍ ኣለዎ።

ስእሊ፡ 3፡ ዋናው ሚድያ ምስልታት ምንዳድ ጫካ እዮም ኢሉ ዝዘርገሖም።

ይኹን እምበር፡ ሓቅነት ናይቲ ቀዳማይ ምስሊ ክረጋገጽ ስለዘይከኣለ፡ መልቲፋክትቼክ እቲ ስእሊ ነቲ ዝተብሃለ ሓበሬታ ይድግፍ ድዩ ኣይድግፍን ከረጋግጽ ኣይከኣለን።

ስለዚ መልቲፋክትቼክ ክልተ ግዜኦም ዝሓለፎምን ናይ ሓሶትን ስእሊታት ብምሕዋሱ ነቲ ክሲ ብኸፊል ሓሶት ኢልዎ ኣሎ።

ዓውዲ

ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ክሳብ 2018 ዓ.ም. ኣካል ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ግሓኦ) እዩ ኔሩ።

እዚ ሓበሬታ ኣብ ማኣሕበራዊ ሚድያ ዝተጋወሐ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ዕጥቃዊ ግጭት ይካየደሉ ኣብ ዘሎ እዋን እዩ። ነቲ ግጭት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ፡ ኣብ መንጎ መንግስትን ሰሓኦን ዘተ ክግበር ፀኒሑ እዩ።

ኣብ ሚያዝያ/ግንቦት 2023 ኣብ ታንዛንያ ከተማ ዛንዚባር ብሽምግልና ኬንያን ኖርወይን ዝርርብ ሰላም ተኻይዱ ኔሩ እዩ። ቀዳማይ ዙርያ ዝርርብ ብዘይስምምዕ እኳ እንተተዛዘመ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣወንታዊ ስጉምቲ ከምዘሎን ኣብ ገለ ጉዳያት ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእ ከምዝበጽሑን ሓቢሮም ኔሮም።

ካልኣይ ዙርያ ዝርርብ ብምትሕብባር ብኣሜሪካ፣ ኢጋድ፣ ኖርወይን ኬንያን ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዳሬስ ሰላም ታንዛንያ ተኻይዱ፡ ወከልቲ መንግስትን መሪሕነት ሰሓኦን ተሳቲፎም ኔሮም። ግናኸ እቲ ዝርርብ ኣብ ሕዳር ብዘይ ስምምዕ ተዛዚሙ እዩ።

The post ሰራዊት ኢትዮጵያ መዳፍዕ ተኲሱ ባርዕ ጫካ ኣስዒቡ ንምባል ዝተሓትሙ ስእሊታት ናይ ብኸፊል ሓሶት እዮም appeared first on MultiFactCheck.

]]>
ኢትዮጵያ ብውሽጣዊ ፍርያት ንሞሮኮ በሊጻ 192 ቢልዮን ዶላር በጺሓ ድያ? https://multifactcheck.org/%e1%8a%a2%e1%89%b5%e1%8b%ae%e1%8c%b5%e1%8b%ab-%e1%89%a5%e1%8b%8d%e1%88%bd%e1%8c%a3%e1%8b%8a-%e1%8d%8d%e1%88%ad%e1%8b%ab%e1%89%b5-%e1%8a%95%e1%88%9e%e1%88%ae%e1%8a%ae-%e1%89%a0%e1%88%8a%e1%8c%bb-192/ Sat, 09 Mar 2024 17:29:26 +0000 https://multifactcheck.org/?p=7811 ውሽጣዊ ፍርያት ሃገር ኢትዮጵያ 192 ቢልዮን ዶላር በጺሑ፡ ንሞሮኮ በሊጹ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ሓምሻይ ዝዓበየ ቁጠባ ኮይና። እቲ ሓበሬታ ብኸፊል ሓቂ እዩ።

The post ኢትዮጵያ ብውሽጣዊ ፍርያት ንሞሮኮ በሊጻ 192 ቢልዮን ዶላር በጺሓ ድያ? appeared first on MultiFactCheck.

]]>
ብሓጎስ ገብረኣምላኽ

ብህሎ፡ ውሽጣዊ ፍርያት ሃገር ኢትዮጵያ 192 ቢልዮን ዶላር በጺሑ፡ ንሞሮኮ በሊጹ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ሓምሻይ ዝዓበየ ቁጠባ ኮይና።

ውሳነ፡ እቲ ሓበሬታ ብኸፊል ሓቂ እዩ።

ውሽጣዊ ፍርያት ኢትዮጵያ 192 ቢልዮን ዶላር ከምዝበጽሐትን ብመንጽር ውሽጣዊ ፍርያት ሃገር ንሞሮኮ ከምዝሓለፈትን ዘመልክት ሓበሬታ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ ነይሩ። ብኻልእ ወገን ድማ ውሽጣዊ ፍርያት ኢትዮጵያ 192 ቢልዮን ዶላር በጺሑ ዝብል ኣበሃህላ ሓሶትን ኣብ ዝተፈብረኸ መረዳእታ ዝተመርኮሰን ምዃኑ ዝገልጽ ክስታት ተዘርጊሑ ነይሩ እዩ።

‘ኮንፍሊክት ዞን’ ብዝብል ሽም ዝተዘርግሐ ልዕሊ 66 ሽሕ ሰዓብቲ ዘለውዎ ናይ ትዊተር ኣካውንት ኢትዮጵያ ንሞሮኮ በሊጻ ናብተን ቀዳሞት ሓሙሽተ ዝዓበያ ቁጠባታት ኣፍሪቃ ከምዝኣተወት ይሕብር። እዚ ናይ ትዊተር ጽሑፍ ልዕሊ 200 ግዜ ዝተዘግሐ ኮይኑ፡ ልዕሊ 83 ሽሕ ተጠቀምቲ ተዓዚቦምዎ እዮም።

ብዙሓት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሑ ጽሑፋት፡ ውሽጣዊ ፍርያት ኢትዮጵያ 192 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ከምዝበጽሐን፡ ንሞሮኮ ብምብዳህ ኣብ ኣፍሪቃ ብዓቢ ቁጠባ ኣብ ሓምሻይ ደረጃ ከምዝኾነትን ሓቢሮም ኔሮም። እዞም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝቐረቡ ጽሑፋት፡ 3.6 ሚልዮን ተኸታተልቲ ዘለዉዎ ‘ወርልድ ስታቲስቲክስ’ ዝብል ሽም ዘለዎ ናይ ትዊተር ኣካውንት፡ ደረጃ ውሽጣዊ ፍርያት ሃገራት ኣፍሪቃ ዘርኢ ጽሑፍ ድሕሪ ምልጣፉ እዩ (ደረጃ ናይተን ሃገራት ኣብ ታሕቲ ይመልከቱ)።

ብመሰረት እቲ ኣብ ትዊተር ዝተዘርግሐ ጽሑፍ፡ ኢትዮጵያ 192 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ውሽጣዊ ፍርያት ብምሓዝ ኣብ ኣፍሪቃ ቁጽሪ ሓሙሽተ ዝዓበየት ቁጠባ ኮይና ክትቀርብ ከላ፡ ሞሮኮ ድማ 157 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ውሽጣዊ ፍርያት ብምሓዝ ኣብ ሻድሻይ ደረጃ ተሰሪዓ ኣላ። እቲ ኣብ ትዊተር ዝተጻሕፈ ጽሑፍ፡ ኣስታት ሓደ ሚልዮንን ፈረቓን ግዜ ዝተራእየ ኮይኑ፡ ኣስታት ክልተ ሽሕ ግዜ ድማ ተዘርጊሑ እዩ።

ባኻልእ ወገን ድማ፡ ውሽጣዊ ፍርያት ኢትዮጵያ ንሞሮኮ 192 ቢልዮን ዶላር በጺሑ ዝብል ኣበሃህላ ሓሶትን ኣብ ዝተፈብረኸ መረዳእታ ዝተመርኮሰን ምዃኑ ዝገልጹ ተጻረርቲ ሓበሬታታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተቓሊሖም እዮም።

ንኣብነት ሓደ ናይ ትዊተር ኣካውንት ነቲ ኣበሃህላ ኣብ ሕቶ ዘእተወ ጽሑፍ ኣካፊሉ፡ “ኢትዮጵያ መወዳእታ ዘይብሉ ኲናት ሓድሕድ ኣለዋ፡ ኣብ 2020 ውሽጣዊ ፍርያት ኢትዮጵያ 100 ቢልዮን ዶላር ነይሩ፡ ሕጂ 192 ቢልዮን ዶላር በጺሑ? እዚ ቁጠባ ኢትዮጵያ ብኸመይ ዓይነት መንኮርኰር ይሕምበብ ኣሎ?” ብምባል እቲ ሓበሬታ ሓሶት ከምዝኾነ የመላኽት። እዚ ናይ ትዊተር ጽሑፍ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ግዜ ተራእዩ እዩ።

መልቲ ፋክትቼክ ነቲ ብህሎ መርሚሩዎ ኣሎ። ካብ ከም ኣይ ኤም ኤፍን ባንኪ ዓለምን ዝኣመሰሉ ተኣማንነት ዘለዎም ኣህጉራውያን ፋይናንሳዊ ትካላት ዝረኸብናዮ እዋናዊ መረዳእታ ርኢና ኢና። እዘን ክልተ ትካላት ብዛዕባ ውሽጣዊ ፍርያት ሃገር ሃገራት ዝምልከት መረዳእታ ኣብ እዋኑ ይዝርግሓ እየን።

ብመሰረት ጸብጻብ ኣይ ኤም ኤፍ (ኣብ ጥቅምቲ 2023 ወርልድ ኢኮኖሚክ ኣውትሌት ብዝብል ኣርእስቲ ዝተሓትመ ጸብጻብ) ኣብ ዓመት 2024 ውሽጣዊ ፍርያት ኢትዮጵያ 192 ቢልዮን ዶላር፡ ከምኡ’ውን ውሽጣዊ ፍርያት ሞሮኮ 157.4 ቢልዮን ዶላር ነይሩ። ብተመሳሳሊ መረዳእታ ኣብ 2023 ውሽጣዊ ፍርያትኢትዮጵያ 155.8 ቢልዮን ዶላር ክኸውን እንከሎ ውሽጣዊ ፍርያት ሞሮኮ ድማ 147.3 ቢልዮን ዶላር እዩ። ኣብ 2023 ኢትዮጵያ ብመንፅር ውሽጣዊ ፍርያት ሃገር ንሞሮኮ ንመጀመርታ ግዜ ዝሰገረትሉ ዓመት ከምዝነበረ እቲ ጸብጻብ ኣይ ኤም ኤፍ የመልክት።

ባንኪ ዓለም ብዛዕባ ውሽጣዊ ፍርያት ኢትዮጵያን ሞሮኮን ዝሃቦ ዳሕረዋይ መረዳእታ ናይ ዓመተ 2022 እዩ። ብመሰረት ጸብጻብ ባንኪ ዓለም፡ ውሽጣዊ ፍርያት ሞሮኮ ኣብ 2022፡ 130.9 ቢልዮን ዶላር ክኸውን ከሎ፡ ናይ ኢትዮጵያ ድማ 126.8 ቢልዮን ዶላር ነይሩ።

ስለዚ ብመሰረት ዳሕረዋይ መረዳእታ ኣይ ኤም ኤፍ ኣብ 2024 ውሽጣዊ ፍርያት ኢትዮጵያ 192 ቢልዮን ዶላር፣ ናይ ሞሮኮ ድማ 157.4 ቢልዮን ዶላር እዩ። ስለዝኾነ ውሽጣዊ ፍርያት ኢትዮጵያ ካብ ሞሮኮ ዝዓቢ ብምዃኑ፡ ኢትዮጵያ ድሕሪ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ናይጀርያ፣ ግብጺ፣ ኣልጀርያ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ 5ይ ደረጃ ተሰሪዓ ኣላ።

ይኹን’ምበር ኢትዮጵያ ብውሽጣዊ ፍርያት ንሞሮኮ ዝበለጸትሉ ዓመት 2024 ኣይኮነን፤ ኢትዮጵያ ኦሮማይ ካብ 2023 ጀሚራ ብውሽጣዊ ፍርያት ንሞሮኮ በሊታ እያ።

ስለዚ፡ እቲ ሓበሬታ ብኸፊል ሓቂ ተባሂሉ ኣሎ።

The post ኢትዮጵያ ብውሽጣዊ ፍርያት ንሞሮኮ በሊጻ 192 ቢልዮን ዶላር በጺሓ ድያ? appeared first on MultiFactCheck.

]]>
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሐ ‘ጋዜጣዊ መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ’ ሓሶት እዩ https://multifactcheck.org/%e1%8a%a3%e1%89%a5-%e1%88%9b%e1%88%95%e1%89%a0%e1%88%ab%e1%8b%8a-%e1%88%9a%e1%8b%b5%e1%8b%ab-%e1%8b%9d%e1%89%b0%e1%8b%98%e1%88%ad%e1%8c%8d%e1%88%90-%e1%8c%8b%e1%8b%9c%e1%8c%a3%e1%8b%8a/ Tue, 05 Mar 2024 07:55:45 +0000 https://multifactcheck.org/?p=7768 ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ቱርኪ እቲ ኣብ መንጎ ሶማልያን ቱርኪን ዝተኸተመ ወታደራዊ ስምምዕ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽብ ነገር ከይዘይብሉ ኣፍሊጡ። እቲ ነዚ ሓበሬታ የረጋግጽ እዩ ተባሂሉ ዝተዘርገሐ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓሶት እዩ።

The post ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሐ ‘ጋዜጣዊ መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ’ ሓሶት እዩ appeared first on MultiFactCheck.

]]>
ብሓጎስ ገብረኣምላኽ

ብህሎ: ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ቱርኪ እቲ ኣብ መንጎ ሶማልያን ቱርኪን ዝተኸተመ ወታደራዊ ስምምዕ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽብ ነገር ከይዘይብሉ ኣፍሊጡ።

ውሳነ: ሓሶት፡ እቲ ነዚ ሓበሬታ የረጋግጽ እዩ ተባሂሉ ዝተዘርገሐ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓሶት እዩ።

ብዕለት 21ን 22ን ለካቲት 2024፡ ኣብዚኣብዚኣብዚን ከም ዝረአ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብፍላይ ድማ ኣብ ትዊተር ብሰፊሑ ዝተዘርግሐ ጋዜጣዊ መግለጺ ነይሩ። እቲ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ዝወጸ ዝተባህለ መግለጺ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ ሶማልያን ቱርኪን ዝተገብረ ወታደራዊ ስምምዕ ምስቲ ኣብ መንጎ ሶማልያን ኢትዮጵያን ዝኸይድ ዘሎ ምስሕሓብ ዝተኣሳሰር ከምዘይኮነ ይገልጽ። እቶም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ነዚ ሓበሬታ ዝዘርግሑ ሕታማት ኣሻሓት ግዘ ተራእዮምን ተዘርጊሖምን እዮም።

እንተኾነ፡ ምርመራ ምስተገብረ፡ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተፈብረኸ ምዃኑን ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ከምዘይመጸን ተረጋጊጹ ኣሎ። እቲ ዝተባህለ መግለጺ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ከምዘይተዋህበ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ቱርኪ ኣረጋጊጹ እዩ። ስለዚ ኣብቲ ዝተዘርግሐ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝቐረበ ሓበሬታ ሓሶት እዩ።

ብ1 ጥሪ 2024 ኢትዮጵያን እታ ሶማልያ ከም ዝተፈንጨለት ዞባኣ እትቖጽራ ሪፓብሊክ ሶማሊላንድን ስምምዕ ፈሪመን። ብመሰረት እዚ ስምምዕ ሶማሊላንድ ኣብ ወሽመጥ ዓደን ንወተሃደራዊ ዕላማ ንኢትዮጵያ ጭራም መሬት ክተካርያ ዝተሰማምዐት ኰይና፣ ኢትዮጵያ ድማ ሶማሊላንድ ከም ልኡላዊት ሃገር ኣፍልጦ ክትህብ ተሰማሚዓ እያ።

እዚ ስምምዕ ንሶማልያ ኣቖጢዕዋ፡ ኣብ መንጎ ሶማልያን ኢትዮጵያን ዝነበረ ርክብ ናብ ምስሕሓብ ኣስዒቡ። ሶማልያ ንኢትዮጵያ ልኡላውነተይን ግዝኣታዊ ሓድነተይን ትጥሕስ ኣላ ብምባል ከሲሳታ እያ።

ኣብዚ ወጥሪ እዚ ሶማልያን ቱርኪን ናይ ምክልኻል ስምምዕ ፈሪመን። ኣብ መጀመርታ ወርሒ ለካቲት 2024 ሶማልያን ቱርኪን ናይ ምክልኻል ውዕሊ ፈሪመን። ብ21 ለካቲት 2024 መንግስቲ ሶማል ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተገብረ ስምምዕ ምክልኻል ብወግዒ ኣፍሊጡ እዩ። ብመሰረት እዚ ስምምዕ፡ ቱርኪ ንሶማልያ ኣብ ምክልኻል ግዝኣታዊ ማያታ ንምሕጋዝ ናይ ባሕሪ ጸጥታ ደገፍ ክትገብር እያ ተሰማሚዓ።

ኣብዚ ህሞት፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብፍላይ ድማ ኣብ ትዊተር ጋዜጣዊ መግለጺ ተዘርጊሑ ነይሩ። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ ሶማልያን ቱርኪን ዝተገብረ ስምምዕ ምክልኻል ምስቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልን ዝካየድ ዘሎ ምስሕሓብ ዘይተኣሳሰር ምዃኑ ብርክት ዝበሉ ጽሑፋት ትዊተር ገሊጾም ነይሮም። እዞም ኣብ ትዊተር ዝተዘርግሑ ጽሑፋት፡ ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ዝተባህለ ጋዜጣዊ መግለጺ ብምጥቃስ፡ ነቲ ዝተብሃለ ሓበሬታ ኣጋዊሖም እዮም። እቲ ስምን ኣርማን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ዝሓዘ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ካብቲ ሚኒስትሪ ከምዝተረኽበ ገሊጾም ነይሮም።

እቲ መግለጺ ኣብ መንጎ ሶማልያን ቱርኪን ዝተገብረ ስምምዕ ምክልኻል ግብረሽበራን ሽፍትነትን ንምምካት ዝዓለመ ምዃኑን ምስቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝቕጽል ዘሎ ምስሕሓብ ዘይተኣሳሰር ምዃኑ ይሕብር።

እንተኾነ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቀኛ ከምዘይኮነን ዝተፈብረኸ ምዃኑን ተረጋጊጹ ኣሎ። ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ዝመጽእ ሓቀኛ ጋዜጣዊ መግለጺታት ብዝተረጋገጸ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርጋሕ ኮይኑ፡ ንመወከሲ ዝኸውን ብፍሉይ ተኸታታሊ ቁጽሪ ተሰንዩ ይቐርብ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ፡ እቲ ናይ ሓሶት መግለጺ ተኸታታሊ ቁጽሪ 34 ዝሓዘ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ምስቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ናይቲ ሚኒስትሪ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተዘርግሐ ወግዓዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ተመሳሳሊ ቁጽሪ ዝሓዘን ዝጻረርን እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ቱርኪ፡ እቲ ዝተባህለ ጋዜጣዊ መግለጺ ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ከምዘይተዋህበን ናይ ሓሶት ምዃኑን ኣረጋጊጹልና እዩ።ስለዚ እቲ ዝተባህለ ሓበሬታ ኣብ ብሓሶት ዝተፈብረኸ መግለፂ ብምውካሉ ሓሶት ተባሂሉ ኣሎ።

The post ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሐ ‘ጋዜጣዊ መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ’ ሓሶት እዩ appeared first on MultiFactCheck.

]]>